Adal voice2 One history for all Eritrean’s

Eritrean’s information Website by Adal voice of Eritrean’s

  •  

    March 2009
    T F S S M T W
    « Dec    
     1234
    567891011
    12131415161718
    19202122232425
    262728293031  
  • Watch videos at Vodpod and other videos from this collection.
  • Recent Comments

  • Category Cloud

ሓሙሻይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሮማ: ዓዲ ጥልያን ንምእንጋድ ዘድሊ ምቅርራብ ተገይሩ…

Posted by adalvoice2 on March 31, 2009


Webmaster’s Note

We will have interview, on a wide ranging issues, with several members of the Young PFDJ (YPFDJ) members . The exclusive interview will be aired during ‘the Voices of New Generation’ program with Adal voice of Eritrean’s soon . The interview will cover Social, political and other activities of these young patriots as Eritrean diasporas and members of the YPFDJ.


እቲ ኣብ ኣውሮፓ ንሓሙሻይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 13 ሚያዝያ 2009 ኣብ ሮማ ኢጣልያ ንምእንጋድ ዘድሊ ምቅርራብ ተገይሩ ኣሎ.

ኣብዚ ዋዕላ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ናይ ዓልመ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ማለት፡ ካብ ኩለን ሃገራት ኣውሮፓ፡ ካብ ኣሜርካን ካናዳን፡ ካብ ኣውስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤርትራን ዝውክሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኾነ መንእሰያት ንክሳተፉ ተዳልዮም ኣለዉ። እዞም መንእሰያት ካብ ኣባላት ማሕበር መንእሰያት፡ መንእሰያት ህግደፍን ካልኦት ግዱሳት መንእሰያት ዝተዋጽኡ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝኸውን ብዛዕባ ንጥፈታትን ውዳበን መንእሰያት ኣብ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ክዛተዩን ክካትዑን እዮም.

ኣዳላዊት ሽማግለ ነዚ ሓምሻይ ዋዕላ ብመንእሰያት ንመንእሰያት ዝዳሎ ዘሎ ዘድሊ ምድላው ብምግባር፡ ነዚ ዋዕላ ንምእንጋድ ዘድሊ ምቅርራብ ተተይሩ ኣሎ.

ዕላማ ናይዚ ዋዕላ.

  • ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ደገ ዝቕመጡ መንነቶምን፣ ሃገራውነቶምን፣ ሓድነቶምን ንምሕያልን ምዕዛዝን

  • ውዳበን ተሳታፍነትን ንጥፈታትን መንእሰያት ንምስሳንን ምሕያልን ዝግበረ ጻዕርታት ንምሕዳስ

  • ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ትምህርቲ፣ ስራሕ/ሞያ፣ ቁጠባዊ ዓቕምን፣ ማሕበራዊ ህይወትን ዕዉታት ንክኾኑ ሓባራዊ መደባት ምፍጣር

  • ኤርትራውያን መንእሰያት ንልኡላውነትን ዳግመ ህንጻ ሃገርን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ምዕዛዝ

  • ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ’ቲ ዝነብርሉ ሃገራት ዘለዎም ቦታን ጽልዋን ምሕያል ዝኣመሰሉ እዮም።

ሓሙሻይ ዋዕላ መንእሰያት ዝተፈላለየ ንጥፈታትን መደባትን ከጠቓለለ እዩ፡ ካብዚ ንምጥቃስ

  • ካብ ነፍስወከፍ ሃገራት ዝመጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዓመመ መደባት ገምጋም ንምውሳድ

  • ዝርዝር ህልው ኩነታት ሃገር ምዝታይን፡ ሕቶን መልስን፡ ሓባራዊ ርድኢት ምፍጣርን

  • ዝተፈላለየ ደረጃታት ዎርክሾፓትን፡ ትምህርትን ምክያድ

  • ከምኡውን ዝተፈላለየ ናይ መዘናግዕን፡ ጸወታ ዝኣመሰሉ መደባት ክካየዱ እዮም.

እዚ ብትሕዝትኡን ስፍሓቱን ዑምቀት ዘለዎ ዋዕላ ምክያድ ዝተሓሓገዙና ዘለዉ ናይ መንግስቲ ትካላትን፡ ማሕበራትን፡ ውልቀሰባትን እንዳ መስገንና።

ንዝኾነ ይኹን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ info@youngpfdj.com ናይ ኢመይል ኣድራሻ ብምስዳድ ተወሳኺ ሓበሬታ ልኣኹልና።

ሓምሻይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ካብ 9 ክሳብ 13 ሚያዝያ 2009 ኣብ ሮማ፡ ኢጣልያ.

ኣዳላዊት ሽማግለ!

5th YPFDJ Conference in Rome, Italy

The 5th Euro-wide YPFDJ conference will be held from the 9th to the 13th of April 2009 in Rome Italy.

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Connecting to %s

 
Follow

Get every new post delivered to your Inbox.